
VOATigrigna
January 28, 2025 at 04:45 PM
🇪🇹➡ እቲ ንኣሽሓት ዜጋታት ብጃምላ ዝሓፈሰ መስርሕ ምእሳር ኣብ ክልል ኣምሓራ ሎሚ ሰኑይ ራብዓይ ወርሑ መሊኡ ዝበለ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ስጉምቲ ብህጹጽ ደው ክብልን መሻርኽቲ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብሩን ጸዊዑ።
እቲ ትካል ሎሚ ሰኑይ 28 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዘይ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ብጃምላ ተሓፊሶም ተኣሲሮም ዘለዉ መንግስቲ ብህጹጽ ክፍትሖም ጸዊዑ።⤵️ ንዝያዳ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ትግርኛ ኣብ ዋትስ ኣፕ ተኸታተሉ ⤵️https://whatsapp.com/channel/0029VaZu1cPHFxP2I6zxD209