
VOATigrigna
February 4, 2025 at 03:25 PM
🇪🇹🇰🇪➡“ኣብ መሬት ኬንያ ኣትዮም ገበናት ይፍጽሙን ንሰላም እቲ ከባቢ ይዘርጉም ኣለዉ” ኢሉ ንዝጸውዖም ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንምቕራም፡ ፖሊስ ኬንያ ስርሒት ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ ብውሽጢ’ውን ሃድን እቶም “ገበነኛታት” ዝበሎም ክካየድ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ሃገራዊ ፖሊስ ኬንያ፡ እቶም ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ማርሳቢትን ኢሳይሎን ዝተባህለ ወረዳታት ኬንያ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ዕጸ-ፋርስን ካልእ ንብረት ኮንትሮባንድም ከካይዱ ምጽናሖም ይኸስስ።
👇ዝያዳ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ትግርኛ ኣብ ዋትስ ኣፕ ተኸታተሉ ⤵️https://whatsapp.com/channel/0029VaZu1cPHFxP2I6zxD20
💡
1