
Tigray Regional Health Bureau
February 7, 2025 at 09:47 AM
ውድብ ጥዕና ዓለም ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ኣልትራ ሳውንድን ፕሪንተርን ምስ ምሉእ ኣድለይቲ ናውቶም ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ብሓገዝ ሂቡ ።
30 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ንቢሮ ጥዕና ወኪሎም ዝተረከቡ ዶ/ር ቴዎድሮስ ጎበዛይ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዓነወ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ንምሕዋይ ኣብ ንሰርሖም ስራሕቲ ግንባር ቀደም ኮይኑ እናሓገዘና ይርከብ ኢሎም ።
ሐዚ ድማ ግልጋሎት መጥባሕቲ ንዝጀመራ 13 ትካላት ጥዕና ዝነበረን ፀገም ኣልትራ ሳውንድን ፕሪተርን ዝፈትሕ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዝወድአ ኣልትራ ሳውንድን ፕሪንተርን ምስ ሙሉእ ናውቱን በዚ ዕለት ውድብ ጥዕና ዓለም ንቢሮና ኣረኺቡ።
ንዝርዝሩ: https://www.facebook.com/share/p/18mVPZkVje/
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
30 ጥሪ 2017 ዓ/ም
መቐለ
👍
1